×
ኣልሽ
ዛዕባ ኣምላኽን ህይወትን ዝምልከት
 ሕቶታት ንምሕታት ውሑስ ቦታ

ምጅማር ምስ እግዚኣብሄር

ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትካ ከምዘሎ ርግፀኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ህይወትካ ከም ዝዓደምካዮ ስለ ዝነገርካና ንዓና ዓቢይ ብስራት ምዃኑ ቅድሚ ኹሉ ክንነግረካ ንደሊ። ነዚ ውሳነ እዙይ ወሲንካ ንጐይታ ኢየሱስ ኣብ ልብኻ ምስ ተቐበልካዮ እግዚኣብሄር ብሓቂ ሰሚኢዑካ ድዩ ኣይሰምዓካን ንምፍላጥ “እግዚኣብሄር ብሓቂዶ ሰሚዑኒ እዩ ወይ ኣይሰምዓንን?” ኢልካ ክትሓትት ግቡእ እዩ። ናትና መልሲ ድማ “እወ ሰሚዑካ። ” ዝብል እዩ። ኣብ 1ዮሃ 5፣14-15 ተፃሒፉ ስለ ኣሎ። "እዙይ እዩ እቲ ኣብኡ ዘሎና እምነት፣ ከም ፍቓዱ ዝኾነ ነገር እንተ ለመንናዮ ንሱ ይሰምዓና እዩ። ንሱ ከም ዝሰምዓና እንተ ፈሊጥና ድማ፣ ዝለመንናዮ ዘበለ ኹሉ እቲ ካብኡ ዝሓተትናዮ ከም እንረኽቦ ስለ እንፈልጥ ትብዓት ኣለና።" ስለዚ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሕይወትና ክመፅእ እንተለሚንናዮ ኣቐዲሙ ቃል ኣትዩልና ስለ ዝኾነ ብርግፅ ናብ ህይወትና ክመፅእ እዩ።

ኣብ ራእይ ዮሃንስ 3፣20 ጐይታና ኢየሱስ እዙይ ቃል ተስፋ ሂቡና ኣሎ፣ “እንሆ፣ ኣነ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ እዅሕኵሕ ኣለኹ ሓደ እኳ ድምፀይ ሰሚዑ ማዕፆ እንተ ከፊቱለይ ኣነ ናብኡ ክኣቱ እየ፣ ምስኡውን ክድረር እየ፣ ንሱ ድማ ምሳይ ክበልዕ እዩ። ንእግዚኣብሄር ማዕፆ ልብኻ ከፊትካሉ ዲኻ? እንተ ከፊትካሉ ኸ እንታይ ክገብር ይመስለካ? ናብ ስሕተት ዶ ዝመርሓካ ይመስለካ?

እቶም ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝቕበሉ ኩሎም ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘለዎም መፅሓፍ ቅዱስ የረጋግፀልና እዩ።

"እግዚኣብሄር ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሃበና፣ እዛ ህይወት እዙይኣ ድማ ኣብ ወዱ ከም ዘላ፣ እቲ ምስክር እዙይ እዩ። እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት ኣለዎ እቲ ወዲ እግዚኣብሄር ዘይብሉ ድማ ህይወት የብሉን። ንዓኻትኩም ብስም ወዲ እግዚኣብሄር እትኣምኑ፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘለኩም ምእንቲ ክትፈልጡ፣ እየ እዙይ ዝፅሕፈኩም ኣለኹ።" (1ዮሃ 5፣11-13)

- ክርስቶስ ኣብ ሕይወትካ ስለ ዘሎ ንዘለኣለም ስለ ዘይሓድገካ ንእግዚኣብሄር ኣመስግን (ዕብ 13፣5)።

- ድሕሪ እዙይ ዝተፈላለየ ስምዒታት እኳ እንተሃለዉኻ?

ኣብ ስምዒታትካ ኣይትወከል።

ኣብ ስምዒታትና ዘይኮነስ ኣብቲ ኣብ ቃሉ ዘሎ ተስፋታት እግዚኣብሄር ኢና ክንውከል ዝግባና። ክርስትያን ብእምነት እግዚኣብሄርን ቃሉን እዩ ዝነብር። እዙይ ዝስዕብ ናይ ባቡር ምሳሌ እስኪ ንርአ፦

- ሓቂ ማለት እግዚኣብሄርን ቃሉ ን እዩ።

- እምነት ማለት ድማ ኣብ እግዚኣብሄርን ቃሉን ምውካል እዩ።

- ስምዒት ከዓ ውፅኢት እምነትናን ተኣዛዝነትናን እዩ።

- እታ ባቡር ብሓይሊ ሞተራ ጥራይ እያ ክትንቀሳቐስ እትኽእል እምበር ብተጎታቲኣ ኣይኮነትን። ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ተኣማንነትን ቃል ተስፋ እግዚኣብሄር ክንውከል ኣሎና። እምነትካ ብሓቅነት ቃል እግዚኣብሄር ብዝነደደ መጠን፣ ሓይሉ ኣብ ህይወትካ ብዝበለፀ ክገሃድ እዩ። እምነትካ ኣብ ስምዒትካ ዝተመስረተ ክኸውን ኣይትፍቀደሉ። “ብእምነት እምበር ብምርእይ ኣይንመላለስን ኢና።” (2ቆሮ 5፣7)

ምስ እግዚኣብሄር ዘለካ ሕብረት ምዕባይ

ንቓል እግዚኣብሄር መፅሓፍ ቅዱስ ብምፅናዕ፣ ንእግዚኣብሄር ብዝበለፀ ንምፍላጥ ንርእስኻ ኣግዝኣያ። እግዚኣብሄር ብዝበለፀ ክገልፀልካን ምስኡ ዘለካ ሕብረት ክዓቢን ክንፅልየልካ ኢና። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ራብዓይ ወንጌል ዝኾነ ወንጌል ዮሃንስ ብምፅናዕ እንተትጅምር ዝያዳ ፅቡቕ እዩ።

ድሕሪኡ፣ ንእግዚኣብሄር ብናፅነት ተዛረቦ። ነቲ ኣብ ፊልጲ 4፣6-7 ዘሎ ክፍሊ ኣብ ህይወትካ ከተተግብር ንላቦወካ። ከምዚ ድማ ይብል “ብዅሉ ነገር ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር ብሓደ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣእምሮ ዝበልፅ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ ብክርስቶስ ኢየሱስ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ኪሕልዎ እዩ።”

ሕዚ ንኢየሱስ ክርስቶስ ተቐቢልካዮ ኣለኻ።

ንኢየሱስ ክርስቶስ መድሓኒኻን ጎይታኻን ክኸውን ምስ ዓደምካዮ ኣብ ህይወትካ ብዙሓት ነገራት ተፈፂሞም እዮም። ካብዚኦም እቶም ወሰንቲ ዝኾኑ፦

  1. ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ህይወትካ መፂኡ ኣሎ። (ራእ 3፣20)
  2. ኩሉ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ። (ቆሎ 1፣14, 2፣13)
  3. ውሉድ እግዚኣብሄር ኰይንካ ኢኻ። (ዮሃ 1፣12)
  4. ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካ ኣለኻ። (ዮሃ 5፣24፤ 1ዮሃ 5፣11-13)
  5. ነቲ እግዚኣብሄር ክፈጥረካ ከሎ ዝሓንፀፀልካ ሓድሽን ሓጎስ ዘለዎን ዘለኣለማዊ ሕብረት ምስ እግዚኣብሔር ጀሚርካዮ ኣለኻ። (ዮሃ 10:10፣ 2 ቈረ. 5:17)

- ኣብ ህይወትካ ንክርስቶስ ካብ ምቕባል ንላዕሊ ዘደንቐካ ነገር ክህሉ ዝኽእል ኣሎ ኢልካ ዶ ትሓስብ?

- ስለምንታይ ሕዚ ንእግዚኣብሄር በቲ ሰናያት ኩሉ ዝገበረልካ ብፀሎት ዘይተመስግኖ?

ኣድላይነት ቤተ ክርስቲያን

ምስ ካልኦት ክርስትያናት ሕብረት ምፍጣር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ (ዕብ 10፣25፤ ግብሪ ሃዋርያት 2፣42-47)። ቅድሚ ሕዚ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይድካ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፣ ናብ ክርስቶስ ዝኸበረሉን ቃሉ ዝስበኸሉን ቦታ ብምኻድ ንክርስቶስ መድሓኒኦም ምስ ዝገበሩን ፍቕሩ ኣብ ህይወቶም ምስ ዝለማምዱ ኣመንቲ ሕብረት ግበር።

ዕንፀይቲ ብሓባር ምስ ዝእጎድ ብድሙቕ ይቃፀል እዩ። ሓንቲ ዕንጨይቲ ወሲድና ኣብ ዝሑል ቦታ እንተ ኣቐሚጥናያ ግና እቲ ሓዊ ክጠፍእ እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ሕይወት በይንኻ ክትነብር ድማ ከምኡ ከፀግመልካ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ርኸቡና።