ሕቶ - "ሰማይ ከመይ ክትመስል እያ ኣበይከ እያ ዘላ ? ናይ ሓቂ ድዩ?"
እወ ብሓቂ ሰማይ ኣሎ ።
መብዛሕትኦም ሰባት "ሰማይ" ኢሎም ዚጽውዕዋ ዘለኣለማዊት ከተማ እያ፣ እዛ ኸተማ እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ "ሓዳስ የሩሳሌም" ኢሉ እዩ ዚጽውዓ።1 መስተንክር ክትከውን እያ። ከም መርኣዪ ሰማይ ከመይ ከም ዚመስል እስከ ንርአ።
ከም ክሪስታል ዝጸረየ ርባ ኻብ ዝፋን ኣምላኽን ካብቲ ገንሸልን [ኢየሱስ] ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ኺውሕዝ እዩ። ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ፈለግ ኣብ ወወርሒ ዓሰርተው ክልተ ዓይነት ፍረ እትፈሪ ኦም ህይወት ክትህሉ እያ። ጐደናታት ከም ጽሩይ መረጼን ጽሩይ ወርቂ ኪኸውን እዩ። መካበብያ እታ ኸተማ ብዅሉ ዓይነት ስልማት ስመራግዶስ ኦኒክስ ኣሜቲስት ቶፓዝ ወዘተ ኪስለም እዩ። ጸሓይ ወይ ወርሒ ኣየድልያን እዩ ቤተ መቕደስ ወይ ቤተ-ክርስትያን እውን ኣየድልን እዩ። ህላወ ጐይታ ብርሀኡ ኪኸውን እዩ።2
ይኹን እምበር እቲ ናይ ሓቂ ጽባቐ ሰማይ እዚ ዝስዕብ ኢዩ -
"ሕጂ መንበሪ ኣምላኽ ምስ ሰባት እዩ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ። ንሳቶም ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፣ ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን ንኣምላኾም እውን ኪኸውን እዩ። ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዞ እዩ። እቲ ናይ ቀደም ስርዓት ሓሊፉ እዩ እሞ ድሕሪ ደጊም ሞት ሓዘን ብኽያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ ።… ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ" በለ።3
ሰማይ ናይ ኢየሱስ እዩ ። ንሱ እዩ ፈጢርዋ ። "ከመይሲ ኵሉ ብእኡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ብግኡዝን ብዓይንን እዩ ተፈጢሩ ።… ኵሉ ብእኡን ንዕኡን እዩ ተፈጢሩ።"4
ኢየሱስ ኣብ ፈለማ መድሓኒ ዀይኑ ናብ ምድሪ እኳ እንተ መጸ ሓደ መዓልቲ ግን ፈራዲ ዀይኑ ኪቕመጥ እዩ። ኵሎም ሰባት ካብ ምዉታት ኣካላዊ ትንሳኤ ኪረኽቡ እዮም፣ ኵላቶም ድማ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ኪቐርቡ እዮም።5
ስለዚ ሓደ ሰብ ናብ ሰማይ ብኸመይ ከም ዚድይብ ኢየሱስ እንታይ ከም ዝበለ ምግንዘብ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ ።
ብዙሓት ሰባት ዚነኣድ ህይወት ብምንባር ወይ እንተ ወሓደ ኻብ ከም ቅትለት ዝኣመሰለ ኸቢድ ሓጢኣት ንምርሓቕ ዚግበር ጻዕሪ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ።
ኢየሱስ ግን ናብ ሰማይ ብዛዕባ ምኻድ እተዛረቦ ቓላት እንሆ። "... ጽድቅኹም ካብ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እንተ ዘይበዝሐ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይክትኣትዉን ኢኹም"። ጸሓፍትን መ. ኣ. ኢየሱስ ነቲ ነብዪ ኢሳእ ዝበሎ ደጊምዎ እዩ ። ሰማይ ዚግብኦ ዋላ ሓደ የልቦን ። እኹል ዝዀነ ይኹን ሰብ የለን ። በዚ ኸምዚ ኣይኰንናን ናብ ሰማይ እንኸይድ ። ስለዚ ኸኣ እዩ ኢየሱስ ዝመጸ … ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኺህልወና እዩ። ከመይ ጌርና ኸምኡ ኸም እንገብር ድማ እስከ ንርአ ።
ሰማይ ንዅሎም እቶም ብኢየሱስ ዚኣምኑ እዩ ተዋሂቡ ። "ብእኡ ዚኣምን ዘለኣለማዊ ህይወት ኣለዎ እምበር ኣይኪጠፍእ እዩ። ከመይሲ ኣምላኽ ንዓለም ብእኡ ኼድሕና ኢሉ እምበር ንዓለም ኪዅንና ኢሉ ንወዱ ናብ ዓለም ኣይለኣኾን።"6
ምስ ኢየሱስ ርክብ ክንምስርት ከሎና ንዘለኣለም ክቕጽል ዝኽእል ርክብ ኢዩ ። ስምና ኣብ መጽሓፉ ህይወት ተጻሒፉ ኣሎ ። ኢየሱስ "እቲ ቓለይ ሰሚዑ ነቲ ዝለአኸኒ ዚአምኖ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣለዋ፣ ካብ ሞት ናብ ህይወት ተሳጊሩ እዩ እምበር ኣይኪፍረድን እዩ" በለ።7
ንሰማይ ብዚምልከት ንኢየሱስ ምላሽ ክንህበሉን ነቲ ውህበት ዘለኣለማዊ ህይወት ክንቅበሎን ወይ ከይንቕበሎ ኽንውስን ኣሎና። ኢየሱስ "ብወዲ ዚጥምትን ብእኡ ዚኣምንን ዘበለ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህልዎ ኣነ ውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ ፍቓድ ኣቦይ እዩ" በለ።8
ኣብ ሰማይ ካብ ኵሉ ዓሌታት ቋንቋታት ሰባት ከምኡውን ህዝቢ ብምኽንያት እምነቶም ኣብ ኢየሱስ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዝህልዉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተነጊሩና ኣሎ።
ብእኡ ምእማን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ ?
ከምዚ ኺበሃል ከሎ ብዛዕባ ኢየሱስ ምእማን ጥራይ ማለት ኣይኰነን ። ኣብ መንጎ ባራክ ኦባማ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኸም ዝዀነን ብብሕቲ ኸም እትፈልጦን ዘሎካ እምነት ፍልልይ ኣሎ ። ብተመሳሳሊ ኢየሱስ ኣብ ህይወትካ ኸይረኸብካዮ ኣምላኽ ምዃኑ ኽትኣምን ትኽእል ኢኻ ።
ኣብኡ ኽትኣምንን ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዚህልወካ ኸተረጋግጽን እትኽእለሉ መገዲ እንሆ ። በጃኻ ክንዮ ዓይነ ስዉር እምነት ርአ ።
► | ምስ እግዚኣብሄር ከመይ ገይርካ ሕብረት ትጅምር |
► | ሕቶ ኣለኒ…… |
እግረ ጽሑፍ፤ (1) ራእይ ዮሃንስ 21፡2 (2) ራእይ 21ን 22ን (3) ራእይ ዮሃንስ 21፡3-5 (4) ቆሎሴ 1፡16 (5) ራእይ ዮሃንስ 20፡11-13 (6) ዮሃንስ 3፡16,17 (7) ዮሃንስ 5፡24 (8) ዮሃንስ 6፡40